Fana: At a Speed of Life!

ጎግል ኣብ ግልጋሎት ዘይወዓሉ ኣካውንታት ኣብዚ ሰሙን ምድምሳስ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ጎግል ተኸፊቶም ኣብ ግልጋሎት ዘይወዓሉ ኣካውንታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ምድምሳስ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ዝድምሰሱ ኣካውንታት ድማ ተኸፊቶም ግልጋሎት እንተይሃቡ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን እዋን ዘቑፀሩ ኣካውንታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ውሳነ÷ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ድሕንነት ንምንካይ ከምዘኽእል ተገሊፁ፡፡

ተዓፂዮም ዝፀንሑ ኣካውንታት በዓል ክልተ ዲጂት መረጋገፂ ኮዳት ከምዘይስዱ ኣረጋጊፀ ኢየ” ዝበለ እቲ ኩባኒያ÷ እዚ ድማ እቶም ኣካውንታት ንምጥላፍን ሓደጋ ተቓላዕቲ ከምዝገብሮም ኣብሪሁል፡፡

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ዓማዊል ተዓፂዮም ንዝጠንኹ ኣካውንታት ናይ ይሕለፍ ቃል መስተኻኸሊ ንኸዘምኑ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ከምዝለኣኸ እውን ኣዘኻኺሩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ምስ ዩቲዩብ፣ ናይ ህያብ ካርድታት ከምኡ እውን ምስ ዲጂታል ናውቲን ዝተተሓሓዙ ኣካውንታት ከምዘይዕፀዉ ምግላፁ ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.