Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ሓይሊ ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ላዕለዎት መኮንናት መከላከያ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላትን ክልቲአንምምሕዳራት ከተማን ተረኺቦም።
ምክትል ኤታማጆር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰ÷ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላት በቢክልሉ ዝበፅሕዎ ምርድዳእ ንኢዶም።
ዝለዓሉ ሕቶታት ብብርኪ ፖሊስ ፌድራል ኢትዮጵያ ብዘተ ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ናብ መከላከያ ንዝሕወሱ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ረብሐኦም ተሓሊዩ ብኽብሪ ከምዝቕበሎም ገሊፆም።
ብጥሮታን ብቦርድን ብኽብሪ ንዝሰናበቱ ኣባላት እውን መሰሎም ክኽበር ኢዩ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ እቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ብብርኪ ሃገር ዝተጠናኸረ ኣገልግሎት ፖሊስ ንህዝቢ ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ መረጃን ደህንነትን ኣገልግሎት ዋና ዳይሬክተር ተመስገን ጥሩነህ ÷ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ዝተወሰነ ቅድሚ ለውጢ ኢዩ ኢሎም።
ኣወዳድብኡ እውን ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ኩነታት ዘገናዘበ ኢዩ ኢሎም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.