Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

January 2023

ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ኣውሮፕላን ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ዝዓይነታ ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ድሕሪ ፈተነ ትማሊ ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ። እታ ኣውሮፕላን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ታሕሳስ 2022 ፈተነ በረራ 100 ሰዓታት ምግባር ብምዝኽኻር ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡…

ስራሕቲ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣመራርሓታት እቲ ወፍሪ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ጉጂን ቦረናን ጎረባብቲ ከባቢታት ክልል ሶማሌን ወፍሪ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝተተለሞ ከይዲ ይስራሕ ከምዘሎ መራሕቲ እቲ ወፍሪ ገሊፆም፡፡ ኣብ ናፃ ዝወፃ ቀበሌታት ድማ እቲ ወፍሪ ብዝመርሑ ኣመራርሓታት ምክልኻል…

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ይካድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ይካድ ኣሎ፡፡ ኣብታ ክልል ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ከምኡ እውን ፖለቲካውን ኩነታት ፀጥታን ዝዝቲ ህዝባዊ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ዘተ ርእሰ ምምሕዳ…

ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ካብ ወርሒ ታሕሳስን ጥሪን ጀሚረን ናብ ፍርያት ተመሊሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ካብ ወርሒ ታሕሳስን ጥሪን ጀሚሩ ናብ ፍርያት ምምላሰን ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ክሳብ ሕዚ ፋሪካታት ሽኮር ፊንጫ፣ ወንጂ ሸዋ፣ ኦሞ ኩራዝ 2ን ኦሞ ኩራዝ 3ን ምዝዛም እዋን ክርምቲ ስዒቡ ናብ ፍርያት…

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ሎሚ ዝረኣናዮ ዝተዋደደ ልምምድ ኲናት ኢትዮጵያ ኲናት ዘትርፍ ሓይሊ ምህናፃ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ሎሚ ዝረኣናዮ ዝተዋደደ ልምምድ ኲናት ኢትዮጵያ ኲናት ዘትርፍ ሓይሊ ምህናፃ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ኣየር፣ ከቢድ ኣፅዋር፣ ፍሉይ ሓይሊን እግረኛን ተዋዲዱ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን…

ቢሮ ዕድል ስራሕን ክእለትን 105 ዘበናዊ ትራክተራት ንማሕበራት ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ዕድል ስራሕን ክእለትን 105 ዘበናዊ ትራክተራት ን105 ማሕበራት ኣረኪቡ። እተን ትራክተራት ብልዕሊ 246 ሚሊየን በር ዝተዓደጋ ከምዝኾና ተገሊፁ። እቲ ቢሮ ምስ ባንኪ ስንቄ ብምትሕበባር 10 ሚኢታዊ ንዝዓቖሩ ማሕበራት እተን ዘበናዊ…

ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ህንፃ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከታመ ለሚ ኩራ ብዝበለፀ ንምህናፅ መርብራብ ይግበር ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ህንፃ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከታመ ለሚ ኩራ ብዝበለፀ ንምህናፅ መርብራብ ይግበር ኣሎ ክብላ  ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኣብቲ ሀንፃ ዝነበረ ሰነዳት መንግስቲን ህዝብን ብሰንኪ እቲ ባርዕ መንም ዓይነት ጉድኣት…

ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኣትሌቲክስ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ብምድብ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ብ8 ደቒቓን 37  55 ማይክሮ ካልኢትን ብምእታው ነቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ።…

መንግስቲ ጃፓን ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ማሽነሪታት ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጃፓን ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ማሽነሪታት ደገፍ ገይሩ። ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ማይ ህንፀት ዓቕሚን ስግግረ ቴክኖሎጂን ግድኡ ዝፃወት ዘሎ መንግስታዊ ትካል ኢዩ ተባሂለሉ። መንግስቲ ጃፓን ዝገበሮ ደገፍ…

ዓለም ለኸ መዳርግቲ ትካላት ልምዓት ፍሪያታት ሕርሻ ኣፍሪካ ንምምዕባል ዝውዕል ደገፍ 30 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዳርግቲ ትካላት ልምዓት ፍሪያታት ሕርሻ ኣፍሪካ ንምምዕባል ዝውዕል ደገፍ 30 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም። እቶም መዳርግቲ ልምዓት ዝተሳተፍሉን ኣብ ሴኔጋል ዳካር ዝተሳለጠን መበል ካልኣይ ጉባኤ ምግቢ ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ።…