Fana: At a Speed of Life!

3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘበናዊ መሳርሒ ሕርሻ  ከምዝተሓረሰ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ እዋን ክረምቲ ክሳብ ሕዚ 3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘበናዊ መሳርሒ ሕርሻ ከምዝተሓረሰ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ንፋና ብርድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ እዋን ክረምቲ 2014/15፤ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብሜካናይዜሽን ምልማዕ ተኻኢሉ፡፡

ዘበናዊ መሳርሒታት ሕርሻ ንኻረስቶት ተበፃሒ ንምግባር ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ፖሊሲ ተዘርጊሑ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ቁፅሪ ትራክተርን ኮምባይነርን ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 17 ሺሕ ምብፃሕ ከምዝተኸኣለ ተዛሪቦም፡፡

10 ማእኸላት ግልጋሎት ሜከናይዜሽን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ናይ ምጥያሽ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣርባዕተ ማእኸላት ናብ ስራሕ ምእታው ከምተኸኣለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 142 ሺሕ ትራክተሮችን ልዕሊ 46 ሺሕ ኮምባይነራትን ንሓረስቶት ንምክፍፋል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣመልኪቶም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.