Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ሩሲያ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ሩሲያ ምስታፋ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ፡፡

እቲ ምርኢት ንግዲ ዘላቒ ፍርያትን መፍረያይነትን ከምኡ እውን ኣብ ስትራቴጂታት ምምሕያሽ ዘተኮረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብፍላይ ንከተማታትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኣብ ቴክኖሎጂታት ምቅንባር ሓፂን፣ ንዓውዲ ቀረብ ሓይሊ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት፣ ኣብ ትራንስፖርት ኢንጂነሪንግ፣ ንሓደሽቲ ፍርያታት፣ ንኢንዱስትሪ ዝኾኑ ፀገም ፈታሕቲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂታት ከምኡ እውን ቴክኖሎጂታት መሳርሒታት ሕርሻ ኣብ ምፍራይ ዛዕባ ዝገበረ ኢዩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ኢንዱትሪ መላኩ ኣለበል፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራ ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ኣብ ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ከም ሃገር ኣብ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ሩሲያ ሚካሂል ሚሹስቲን ብግደኦም÷ እቲ ዓውደ ምርኢት ብዙሓት ልውውጣት ልምዲን ወሰንቲ ዝኾኑ ዓውዲታት ንምድንፋዕን ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ካብ ልዕሊ 16 ሃገራት ዝተውፃእፅ ልኡኻት ከምዝተሳተፉን እቲ ምርኢት ንግዲ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ሩሲያ ንምርኢት ከምዝቐርብን ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.