Fana: At a Speed of Life!

ገናሕቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ኣማራፂታት መገዲ ንክጥቀሙ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገናሕቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ካብ 16 መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣማራፂታት መገዲ ንክጥቀሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ 4 ኪሎ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ
  • ካብ መብራህቲ ትራፊክ ደጎል ኣደባባይ ናብ 4 ኪሎ
  • ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስጊዮርጊስ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ
  • ካብ ደጃች ውቤ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ
  • ካብ ኣፍንጮ በር ናብ ራስ መኮንን ድልድይ
  • ካብ ባሻወልዴ ችሎት ናብ ራስ መኮንን ድልድይን ካብ ቀበና ናብ ፒያሳን ዝገንሑ ገናሕቲ መካይን እቲ መገዲ ኣብ ህንፀት ከምዝኾነ ብምግንዛብ ካልኦት ኣማራፅታት መገዲ ንክጥቀሙን ንትእዛዝ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ተማእዘዝቲ ንክኾኑን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.