Fana: At a Speed of Life!

80 ገበን ተንከፍ ጉዳያት ተንቲኑ ምውዝዑ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ዘጋጠሙ 1 ሺሕን 360 ዘጠራጥሩ ጉዳያት መበገሲ ብምግባር 80 ገበን ተንከፍ ጉዳያት ፈልዩን ተንቲኑንንዝምልከቶም ኣካላት  ምውዝዑ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገሊፁ።

ካብ እቶም ዝቐረቡ ኣጠራጠርቲ ዛዕባታት እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ዝሓዙ ገበን ሙስና፣ ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ሓወላን ዘይሕጋዊ ሸርፊ ገንዘብ ሃገራት ወፃኢን ከምዝኾነ ኣፈፃሚ  ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን እቲ ኣገልግሎት እንዳለ ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት፣ ገበን ታክስ፣ ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ምድንጋርን ዝዛመዱ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ካብ ፋይናንስ ወፃእ ዘለዉ ትካላት ክሳራ ከስዕቡ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ብምእካብ፣ ብምትንታን፣ ብምውዛዕን መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባርን ብዙሓት ተግባራት ይፍፅም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዮሐንስ ደርበውእዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.