Fana: At a Speed of Life!

87 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)87 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ኢዩ ነቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ ዘሎ፡፡

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ 87 ስደተኛታት 20 ዝኾኑ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ዝተረፉ 67 ኢትዮጵያውያን ድማ ናብ የመን ንምእታው ኣብ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ወዲቖም ዘስካሕኽሕ ምንግልታዕ ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.