Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ምስግና ኣብ ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን መካነኢየሱስ ኣምስት ኪሎ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገርና ብእትሓልፈሉ ላዕልን ታሕትን ዘለዎ ኩነታት ኣብ ዝመልአን ኣብ ዝጎደለን ምምስጋን ይግባእ ክብሉ ምእመናን ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን መካነኢየሱስ ገሊፆም።

እቶም ምእመናን እዚ ዝበሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ምስግና ኢዩ፡፡

“ብሃይማኖት፣ ብመንነትን ካልኦት ማሕበራዊ ፓለቲካዊ ብድሆታት ሓሊፍና ኣብዚ ምብፃሕና ዓብዪ ዋጋ ስለዘለዎ  ክነመስግን ይግባእ” ኢሎም እቶም ምእመናን፡፡

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኲናትን ኩነታት ለውጢ ኣየርን ዝበፅሓ ፈተና ተቓሊሳ ምሕላፋ ብምሕሳብ ምምስጋን ግቡእ ከምዝኾነ ዘዘራረብናዮም ምእመናን እታ ቤተክርስቲያን ተዛሪቦም።

መርሃ ግብሪ ምስግና እዚ ዕለት ብዝማሬ፣ ፀሎትን ኣገልግሎት ቃለ እግዚኣብሄርን ተኻይዱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.