Fana: At a Speed of Life!

“ምልክት ሕማም ቫይረስ ኮረና ተራእይዎ ኢዩ” ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ መዕቖቢ ማእኸል ተፈሊዩ ዝነበረ ወልቀ ሰብ ካብቲ ሕማም ናፃ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)”ምልክት ሕማም ቫይረስ ኮረና ተራእይዎ ኢዩ” ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ መዕቖቢ ማእኸል ተፈሊዩ ዝነበረ ወልቀ ሰብ ካብቲ ሕማም ናፃ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ተጠርጣሪ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ቻይና ቤጂንግ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ እነትኸውን፥ ምልክት ሕማም ቫይረስ ኮረና ተራእይዎ ኢዩ ብዝብል ተጠርጢሩ ትማሊ ኣብ መዕቖቢ ማእኸል ከምዝኣተወ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ስለዝኾነ ናሙና ደም ብምውሳድ ኣብ ላብራቶሪ ኢንቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምርመራ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ውፅኢት ምርመራ ላብራቶሪ ድማ፥ እቲ ውልቀ ሰብ ካብ’ቲ ሕማም ናፃ ምዃኑ ከምዝተረጋገፀ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.