Fana: At a Speed of Life!

ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንኸዓቢ ዝሕግዙ መገዲታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክዓቢ ምግባር ብሕማም ከይንጥቃ ይሕግዘና።

ሰብ ሞያታት ሕክምና፥ ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይ ካብ ኣመጋግባ ጀሚሩ ስሩዕ ዝኾነ ኣነባብራ ህይወት ክንክተል ከምዝግባእ ይምዕዱ።

ኣመጋግባ

ብቫይታሚን ሲ ዝማዕበሉ ምግቢታት፦

ብቫይታሚን ሲ ዝማዕበሉ ምግቢታት ብፍላይ ድማ ከም ሰዓል ዝበሉ ሕማማትን ኢንፌክሽንን ንምክልኻል ከምኡ እውን ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንኸዓቢ ይሕግዝ።

ለሚን፣ ኣራንሺ፣ መንደሪኒ፣ ወይኒን ከም ፓፓዮ ዝበሉ ፍረምረን ምምጋብ።

ብተወሳኺ ኣብ እንምገቦ ምግቢ ከም ፃዕዳ ሽጉርቲ፣ ጅንጅብልን ጒዕን ሓዊስና ምምጋብ ከምኡ እውን ሳላጣ፣ ሓምሊ ዕምበባን ቆስጣን ዝበሉ ኣትክልቲ ምዝውታር ኣድላዪ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ከም ዓይኒ ዓተርን ፃዕዳ ኣዳጉራን ዝበሉ ውፅኢታት ጥራጥረ ምምጋብ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምምዕባል ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ስጋ እንተይበዝሐ፣ ውፅኢት ፀባ፣ እንቋቑሖን ፀሊም ቸኮሌትን እውን ኣድለይቲ ምግቢታት ኢዮም ተባሂሉ።

ብቫይታሚን ኢ ዝማዕበሉ ምግቢታት፦

ቫይታሚን ኢ ካብ ውፅኢታት ሹፍ፣ ምሸላ ባሕሪን ኣትክልቲን ምርካብ ይከኣል፤ ከምኡእውን ብብዝሒ ፈሳሲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ይምዕዱ።

ካብ ኣመጋግባ ወፃእ ድማ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር፤ እንተተኻኢሉ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣብ መዓልቲ ን30 ደቓይቕ ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ምግባር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኢዮም ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝምዕዱ።

ፅሬት ውልቀን ከባቢን ብምሕላው ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ይከኣል።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.