Fana: At a Speed of Life!

ሳዕቤን ዘይንቡር ምፍሳስ ደም ወርሓዊ ፅግያት

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስታት ርብዒ ደቂ ኣንስትዮ ምሒር ብዝሒ ፃግነ (menorrhagia) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕክምናዊ ኵነታት ከምዘጋጥመን መፅናዕቲታት ይሕብሩ።

ከቢድ ፅግያታዊ ደም ድማ ሜነረጂያ (menorrhagia) ከቢድ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝፈስስ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ዝገልጽ ሕክምናዊ ቃል እዩ።

ኣብ “ንቡር” ወርሓዊ ፅግያት ካብ 70 ሚሊ ሊትር ክሳብ 80 ሚሊ ሊትር ፈሳሲ ይፈስስ። ካብዚ ፈሳሲ ኣስታት 50 ሚእታዊት ድማ ደም እዩ።

ኣብተን ከቢድ ፅግያታዊ ደም ዝፈሰን ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብ ኣስታት 160 ሚሊ ሊትር ክሳብ 400 ሚሊ ሊትር ፈሳሲ ክህሉ ይኽእል።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ “ከቢድ ፅግያታዊ ደም” ዘለዎ ኣተሓሳስባ ስለ ዝፈላለ፥ መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከቢድ ፅግያታዊ ደም ዝፈሳ እንተዀይኑ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን።

ይዅን እምበር ነቶም ዝተለምዱ ምልክታት ምፍላጥን ምስትብሃልን ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ፡ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተርኢኺ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ከም ዝፈሰኪ ክትጥርጥሪ የድሊ፡

  • እቲ ደም ክፈሲ እንከሎ ትጥቀምሉ ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ኣብ ነፍሲወከፍ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ዝጥልቂ እንተዀይኑ፡
  • ዋሕዚ ወርሓዊ ጽግያትኪ ንምቍጽጻር ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ደሪብኪ ትጥቀሚ እንተዄንኪ፡
  • ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ንምቕያር ለይቲ ትትስኢ እንተዄንኪ፡
  • ልዕሊ 7 መዓልቲ ዝጸንሕ ወርሓዊ ጽግያት እንተሃልዩኪ፡
  • ልዕሊ 2.5 ሴንቲሜተር ርጋ’እ ደም ዝፈሰኪ እንተዀይኑ፡
  • ንቡር ተግባራት ንምፍጻም ዝዓግተኪ ከቢድ ዋሕዚ ወርሓዊ ጽግያት እንተሃልዩኪ፡
  • ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዲ ቀጻሊ ቃንዛ ዝስምዓኪ እንተዀይኑ፡
  • ደኻም ዝስምዓኪን ጸዓትን ትንፋስ ዝሓጽረኪን እንተዀይኑ
  • ምልክታት ዋሕዲ ደም እንተሃልዩኪን።

ኣብ ትሕቲ 2 ሰዓታት ሞደስ ምቕያር ዘድልየኪን ልዕሊ 2.5 ሴንቲሜተር ርጋ’እ ደም ዝፈሰኪን እንተዀይኑ፡ ኣብ መንጐ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ወይ ዘይስሩዕ ምፍሳስ ደም ከምኡ’ውን ድሕሪ ንጽፈ-ጽግያት ዝዀነ ይዅን ፈሳሲ ርሕሚ እንተኣጋጢሙኪ ሓኪም እንተማኸርኪ ዝሓሸ ይኸውን።

 

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ጸገም የስዕብ ድዩ?

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ካብቶም ልሙዳት ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ፡ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት ሓንቲ ከጋጥማ ከም ዝኽእል መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

እዚ ኵነታት ልሙድ’ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እዚ ሕማም ከም ዘለወን ግን ኣይፈልጣኦን እየን። መብዛሕትአን ድማ “ንቡር” ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘለወን እዩ ዝስምዐን።

ዘይተሓከመ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣብ ህይወትና ዘስዕቦም ጽልዋታት ኣለዉ።

እዞም ጽልዋታት ከም ዕድመን ሕክምናዊ ኵነታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ተመርኲሱ ክፈላለ ይኽእል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ እንተደሚኺ፡ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ትስእኒ ኣለኺ ማለት እዩ።

ዋሕዲ ደም ንኽምዕብል ግዜ ዝወስድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኪ ግን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ዝተፈላለየ ምልክታት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

ዋሕዲ ደም ዘለዎ ሰብ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ድኻም፡ ቁጥዐ፡ ምድንዛዝ፡ ምድንጋር፡ ሕማም ርእሲ፡ ምፍዛዝ ሓንጐል፡ ምውሳኽ ህርመት ልቢ፡ ዋላ’ውን ምቕናስ ክብደት ሰብነት ከስዕብ ይኽእል።

ከቢድ ጽግያታዊ ደም እንተ ኣጋጢሙኪ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ክህልወኒ ይኽእል እዩ ኢልኪ እንተጠርጢርኪ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኪ ምስ ሓኪም ክትዘራረቢ ኣገዳሲ እዩ።

ቅድሚ ናብ ሓኪም ምኻድኪ፡ ብመዓቀኒ ጽግያታዊ ደም ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዑደት ክንደይ ፍርያት ጽሬት ከም እትጥቀሚ ብምክትታል ብዛዕባ መጠን ዝፈሰኪ ደም ሓበሬታ እንተሃለወኪ ይምረጽ።

መዓልታዊ መዝገብ ወርሓዊ ጽግያት መከታተሊ መተግበሪ ሞባይል ምጥቃም እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ከምኡ’ውን ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣብ ኣባላት ስድራቤትኪ ዘጋጥም እንተዀይኑ ምፍላጥ ጽቡቕ’ዩ።

ሓኪም ንሳዕቤናት ከቢድ ጽግያታዊ ደም ክቕንሱ ዝኽእሉ ዝተወሰኑ መድሃኒታት ክእዝዘልኪ ይኽእል እዩ።

ጠንቂ እቲ ኵነታት ከም ሕበጥ ዝኣመሰሉ ካልኦት ጸገማት እንተዀይኖም እውን ኣማራጺታት መጥባሕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዋሕዲ ደም ከም ዘለኪ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ኣካላትኪ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንኸፍርዩ ዝሕግዝ መመላእታ መድሃኒታት ክእዘዘልኪ ይኽእል።

ከም ጸሊም ስጋ፡ ዓተር፡ ፋጆሊ፡ ቆጽሊ ዘለዎም ቀጠልያ ኣሕምልትን ፍረታትን ዝኣመሰሉ ብሓጺን ዝሃብተሙ መግብታት ዝሓዘ ጥዕናዊ ኣመጋግባ እውን ሓጋዚ እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.