Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ክታበት ፀረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት ፀረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ካልኦት ስሩዓት ክታበታትን እናተውሃበ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ክታበት ኣዴታትን ህፃናትን መልካሙ ኣያሌው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሰላም ስምምዕነት ስዒቡ ኣብ ዓውዲ  ጥዕና ብጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ስራሕ ምጅማር ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሳለጡ ይርከቡ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ክልል ንቫይረስ ኮሮናን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝወሃቡ ስሩዓት ክታበታት ናብቲ ክልል ከምዝተለኣኹ ገሊፆም።

ኣገልግሎቱን ዝህቡ ልኡኻት ሰብ ሞያ ጥዕና እቲዓውዲ እውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ከምዝተዋፈሩ እውን ኣብሪሆም።

ስራሕቲ ክታበት ብዝግባእ ቅልጣፈ ንምስላጥ ድማ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ክታበት ሕማም ንፍዮ ኣብ ክልል ትግራይ ክቕፅል ንምግባር ክታበታት ናብ ትግራይ ንምልኣኽ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ንፋና ብሮድካስቲንግ ተዛሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.