Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ 137 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 15 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 137 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 831 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 4 ክሳብ 75 ምዃኖም ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ፀታኦም ድማ 86 ደቂ ተባዕቲዮ 51 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

ካብ’ቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ እቶም 99 ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 4 ክሳብ 75 ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ፀታኦም ድማ 86 ደቂ ተባዕቲዮ 51 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 109 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 8 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 1 ሰብ ካብ ክልል ዓፋር ከምኡውን 2 ሰባት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 20 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 8 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውነ 109 ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ኢዮም።

ብምኽኒያት ተወሳኺ ሕማም ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ዝፀንሑ ወዲ 62 ዓመት፥ ንቫይረስ ኮሮና ብዝተገበረ ምርመራ ጥማዕ ደም ተወሲዱሎም ውፅኢት ከይበፅሐ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 8 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 6 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 197 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.