Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝረአዩ ፀገማት ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝረአዩ ፀገማት ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሑ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል ዝረአዩ ትካላት ፌዴራልን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ሓለፍቲ ቢሮን ሰብ ሞያን እናተዛተየ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ እናተረኣዩ ዝርከቡ ፀገማት ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፀሖም ተመልኪቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተውሃበ ሓላፍነት ስራሕ ብምጥቃም ኣገልግሎት መንግስቲ ብገንዘብ ምሻጥ ዝተለመደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብቲ መድረኽ ዘተ ካብዚ ፀገም ብቕልጡፍ ንምውፃእ ክግበሩ ዝግበኦም ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ከምዝግበረሎም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.