Fana: At a Speed of Life!

ጥዕና ኣዴታት፣ ህፃናትን መናእሰያትን ብምውዳድ ክሰራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥዕና ኣዴታት፣ ህፃናትን መናእሰያትን ሎሚ ቀዳማይ ኣንፈት ትኹረት ብምዃኑ ኩሎም ሰብ ግደ ብውህደት ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ዳይሬክቶሬት ጥዕና ኣዶታተትን ህፃናትን፤ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ምስ ቢሮ ክልላት፣ ሰብ ግደን ትካላት ሲቪልን እናሳለጠ ይርከብ።

ኣብዚ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ፤ ክሳብ ጥዕና ኬላ ነቲ ማሕበረሰብ ብምስታፍ ኣብ ዝተሳለጡ ተግባራት ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣዶታተት፣ ዕሸል ህፃናትን ቆልዑን፣ መናእሰይ መበረታትዒ ውፅኢት ምርካቡ ተዛሪቦም።

ከም ክትባት ዝኣመሰሉ እታዎታት ናውትታት ሕክምና ዕሸል ህፃናት ካብ ምትእኽኻብ ጀሚሩ ክሳብ ምብፃሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ዘኹርዕ ተግባር እዩ ኢሎም።

ይኹን ድኣ እምበር ፀገም ፀጥታ ኣብ ዘለዎም ከባብታትን ኣብ ገለ ገለ ከባበብታት ዘሎ ኣፈፃፅማ ሓደ ዓይነት ብዘይምዃኑ ትሑት ኣፈፃፅማ ኣብ ዝተርኣየለን ከባብታት ኩሎም ኣካላት ብውህደት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሞት ኣዶታት ብመዳይ ምቕናስ፣ ኣገልግሎት ትልሚ ስድራቤት፣ ዙርያ ስርዓተ ምግቢ፣ ዑደት ሞት ኣዶታትን ስራሕ ምዝገባን ከምኡ ውን ብተመሳሰልቲ ኣገልግሎታት ኣብ 2030 ዕውት ንምግባር ካብ ኣንፃር እቲ ዝተትሓዘ ሸቶ ብዙሕ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.