Fana: At a Speed of Life!

ብዛዕባ ናይ መንፈስ ጭንቀት ክንደይ ዝኣክል ይፈልጡ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣብ ዕለታዊ ህይወት ፅዕንቶ ከሕድር ዝኽእል ፀገም ህውከት ኣእምሮ ኢዩ፡፡

ጭንቀት ክነዕቶም ንደልዮም ነገራት ልዕሊ ዓቕሚ እንተተሓሳስቡናን እንትነስተንትንን ዝፍጠር ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ስምዒት ኢዩ፡፡

ናይ መንፈስ ጭንቀት ካብ ሞንጎ ዘርእዮም ዝተለመዱ ምልክታት፦ ዕረፍቲ ምስኣን፣ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ጭንቀት፣ ምንዳድ፣ ትኹረት ናይ ዘይምግባር ፀገምን ድቃስ ምስኣንን ይፅርሑ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምንቕቓል ፀጉሪን ምምላጥን፣ ምስኣን ድቃስ፣ ሕማም ርእሲ፣ ምጭቕጫቕ፣ ዓቕለፅበት፣ ምንቅጥቃጥን ረሃፅን ዝበሉ ናይ ባህሪ ለውጢታት ከስዕብ ይኽእል፡፡

ጭንቀት ንባዕልኻ ምስ ጠለባት ወይ ድማ ኩነታት ዘይምጥዕዓም እናኸበደ እንትኸይድ ዝፍጠር ስምዒት ኢዩ እውን ክበሃል ይኽእል፡፡

ሓደ ሰብ ጭንቀቱ ምቁፅፃር እንትኸብዶ ሱር ናብ ዝሰደደ ሕማም ከምርሕ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ሕክምና የብርሁ፡፡

ወጥሪ ዝበዝሖ ኩነታት ስራሕን ከባቢን፣ ሰባት ምስ ሰባት ዝህልዎም ዘይምዕሩይ ርክብን ምትእትታውን፣ ምስ ኢኮኖሚን ገንዘብን ተንከፍ ጉዳያት ዝተተሓሓዙ ዘተሓሳስቡ ኩነታታትን ካልኦትን ጭንቀት ከስዕቡ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ኢዮም፡፡

ጭንቀት ንምውሳኽ ድፍኢት ደም፣ ሕማም ልቢ፣ ኣብ ጭዋዳታት ንዝፍጠር ስምዒት ሕማም፣ ሕማም ሑቐን ዝባንን፣ ሕማም ኣስሚ፣ ሕማም ጨጎራ ከምኡ እውን ንቁስለት መዓንጣ መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ፡፡

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስራሕ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ምምጋብን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምህናፅ፣ ዝውሰዱ ናይ ኣልኮል መስተታትን ዘነቓቕሑን ከም እውን ዝተፈላለዩ መዳሓኒታት ምንካይ ካብ ጭንቀት ንምውፃእ ዘኽእሉ መገዲታት ከምዝኾኑ መፅናዕቲታት ይሕብሩ፡፡

ዝተፈላለዩ ስፖርትታት ኤሮቢክስ ምዝውታር፣ ምዝንጋዕን ምሕማስን እውን ጭንቀት ንምውጋድ ዘለዎም ግደ ቀሊል ከምዘይኮነ ሜዲካል ኒውስ ቱደይ ኣብ ሓበሬትኡ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.