Fana: At a Speed of Life!

ፀፀር ከረጢት ሓሞት ብዛዕባ ዘስዕቡ ምኽንያታት ክንደይ ዝኣክል ይፈልጡ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀፀር ከረጢት ሓሞት ዝበሃል ኣብ ውሽጢ ከረጢት ሓሞት ፀፀር እንትኽዘን ኢዩ።

ከርጢት ሓሞት ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ሸነኽ ከብዲ ካብ ፀላም ከብዲ ትሕት ኢላ እትርከብ ክፍሊ ኣካል ኢያ።

እዛ ከረጢት ሓሞት ዓቚራ ብምሓዝ ከከም ኣድላይነቱ ናብ ቀጢን መዓንጣ ትልእኽ።

ፀፀር ከረጢት ሓሞት ንምንታይን ብኸመይን ከምዝፍጠር ኣብ ሳይንሳዊ መደምደሚ ምብፃሕ ኣይከኣል እምበር ዝተፈላለዩ ግምታት ግን ምፅራሕ ተኻኢሉ ኢዩ።

እዞም ግምታት÷ ኮሌስትሮል ኣብ ውሽጢ ሓሞት ምብዛኽ፣ ቢሉሩቢን (ክውገዱ ዝግበኦም ዘይተወገዱ ህዋሳት ቀይሕ ደም) ኣብ ውሽጢ ሓሞት ምብዛሕን ፍሕኛ ሓሞት ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ናይ ሓሞት ፈሳሲ ናብ መዓንጣ ምድፋእ እንትኣብዮን ዝብሉ ምኽንያታት ይፅርሑ።

ፀፀር ከረጢት ሓሞት ዘስዕቡ ምኽንያታት እንታይ እንታይ ኢዮም?

ፆታ (መብዛሕትኡ ግዘ ደቂ ኣንስትዮ ተቓላዕቲ ኢየን)፣ ዕድመ 40 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ፣ ምውሳኽ ክብደት ሰውነት፣ ካልኦት ግዳማዊ ሕማማት (ከም ሽኮሪያ፣ ድፍኢት ደም) ምህላው፣ ዝተፈላለዩ ኣፋውስ፦ ዝወሓጡ መቆፃፀሪ ወሊድ፣ ኮሌስትሮል ንምቁፅፃር ዝውሰዱ መድሓኒታትን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ፀፀር ከረጢት ሓሞት ዘለዎ ሰብ እንተሃሊዩን ካብ ብዙሓት እቶም ቀንዲ ኢዮም።

ፀፀር ከረጢት ሓሞት እንታይ ዓይነት ምልክታት ኣለዉዎ?

መብዛሕትኡ ግዘ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ኣየርኢን፤ ብምዃኑ ድማ ንኻሊእ ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ከምዝኾነ ሓበሬታ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት።

ምልክት እንተርኢዩ ግን ቀንዲ ዝኸውን ሕማም ከብዲ እንትኸውን÷ እቲ ሕማም ስምዒት ውግኣት ኣለዎ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ታህዋኽ፣ ሚንሚን ምባልን ትኩሳት ከም ምልክታት ክፅርሑ ይኽእሉ።

ሕክምና ፀፀር ከረጢት ሓሞት እንታይ ኢዩ?

ምልክት እንተዘየርኢዩ ክትትል ካብ ምግባር ወፃእ ካሊእ ሕክምና የብሉ፤ ምልክት እንተርእዩ ድማ መጥባሕቲ ሕክምና ብሕታዊ መማረፂ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.