Fana: At a Speed of Life!

ምንም ናይ ምብራር ልምዲ ዘይብሉ ተሳፋሪ ሓደ ኣብራሪ ድሕሪ ምሕማሙ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ነፋሪት ከዕልብ ክኢሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንም ናይ ምብራር ልምዲ ዘይብሉ ተሳፋሪ ሓደ ኣብራሪ ድሕሪ ምሕማሙ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፍሎሪዳ፣ ኣሜሪካ ከዕልብ ክኢሉ።

እዚ መንነቱ ዘይተገልጸ ተጓዓዚ፥ ምስ ተቖፃፀርቲ በረራ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝገበሮ ናይ ድምፂ ዝርርብ ቅድሚኡ ዝኾነ ዓይነት ልምዲ ምብራር ነፋሪት ከም ዘይብሉ የመልክት።

ኣብቲ ዝተቐድሐ ድምፂ፥ “ነፋሪት ከመይ ከዕርፋን ደው ከብላን ከም ዘለዎ” ከም ዘይፈልጥ ክዛረብ ይስማዕ ተባሂሉ።

ኣብታ ካብ መሬት 2 ሺሕን 750 ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ኣየር ዝነበረት ነፋሪት ዝነበረ ተጓዓዚ፥ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኵነታት ገጢሙኒ ኣሎ፤ እቲ ፓይለት ጥዕና የብሉን ሃለዋቱ ከይጥፍአ ኣይተርፍን” ይብል።

ሓደስቲ ኣብረርቲ ብምልምማድ ዝፍለጥ ሓደ ተቖፃፃሪ በረራ፥ እቲ ተጓዓዚ ነታ ነፋሪት ተቖፃፂሩ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፓልም ቢች ከዕርፋ ከም ዝሓገዞ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ እቲ ውልቀሰብ ነታ ነፋሪት ሒዙ ብሰላም ምስ ዓረፈ  ምስቲ ዝመርሖ ዝነበረ ተቖፃፂሪ ተራኺቡ ከም ዝተሓቛቘፉ ተገሊፁ።

ምምሕዳር መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ፥ እታ ካብ ሓደጋ ዝተረፈት ነፋሪት ናይ ውልቂ ከም ዝኾነትን ዘተሓሳስብ ጉድኣት ከም ዘይበፅሓን ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.