Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂ ዘለዓዕሉ ፅሑፋትን ተንቀሳቐስቲ ነገራትን በዓል ዳሜራ ናብ ዝኽበረሉ ቦታ ሒዝካ ምምፃእ ዝተኸልከለ እዩ – ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀጥታን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሽፋን ሃይማኖት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ምንፅብራቕን ምውዕዋዕን ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ካብ ስነ-ስርዓት በዓል ዳሜራ ወፃእ ህውከት ዘለዓዕሉ ነገራት እቲ በዓል ናብ ዝኽበረሉ ቦታ ሒዝካ ምምፃእ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀጥታን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ በዓል ዳሜራ መስቀል ብሰላም ንኽሓልፍ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ገሊፁ፡፡

እቲ ግብረሓይሊ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ዋና መካየዲ ስራሕ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባህርዳርን ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃም ኣብቲ ዘተ ከም ዝገለፁዎ÷ እታ ቤተክርስቲያን በዓል ዳሜራ 2015 ዓ.ም ንምኽባር  ምስ እዋናዊ ኩነታት ጥንቃቐ ብምግባር እቲ በዓል ብሰላም  ንኽዛዘም ዘኽእል ምድላዋት ገይራ እያ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ካብ ስርዓት እታ ቤተክርስቲያን ወፃኢ ድባብ እቲ በዓል ንምድብዛዝን ክብራ ንምትንካፍን ኣብ ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ስርዓት ንኸትሕዝ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ሓቲቶም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብግድኡ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ህዝበ ክርስትያንን ተዋዲዱ ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነትን ድሉውነትን ገሊፁ፡፡

ጉግለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ከምኡ እውን ካልኦት ሓይልታት ፀረ-ሰላም በዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ሓደጋ ራዕዲ ንምብፃሕ ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝኾነን እቲ በዓል ብስላም ከይዛዘም ዝተፈላለዩ ውልቃዊ ዛዕባታት ተሓንጊጦም ስነ-ስርዓት እቲ በዓል ንምህዋኽ ዝተዳለዉ ሓይልታት ከምዘለዉ እቲ ግብረ ሓይሊ ፈሊጠ እየ ኢሉ፡፡

እቲ በዓል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽዛዘም ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀጥታን ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድ እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ምእተዉ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሓይልታት ራዕዲ ዝውሰድ ዘሎ ጥንኩር  ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እቲ ግብረ ሓይሊ ኣረጋጊፁ፡፡

ብሽፋን ሃይማኖት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ምንፅብራቕን ምውዕዋዕን ግቡእ ከምዘይኮነ ኩሉ ተገንዚቡ ካብ ስነ-ስርዓት እቲ በዓል ወፃኢ ህውከት ዘለዓዕሉ ፅሑፋትን ተንቀሳቐስቲ ነገራትን እቲ በዓል ናብ ዝኽበረሉ ቦታ ሒዝካ ምምፃእ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ነዚ ክልከላ ተመሓላሊፎም ድምቀት ናይቲ በዓል ንምድብዛዝ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ጥቡቕ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ኣገንዚቡ፡፡

በዓል ዳሜራ ካብ ዝፈቕዶ ስነ-ስርዓት ወፃእ ኣብ ድባብ እቲ በዓል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ሓደጋ ዝፈጥር ስለዝኾነ÷ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ምምሕዳር ኣድባራት፣ ነቲ በዓል ብኮሚቴነት ዘተሓባብሩን ዝመርሑን ኣካላት፣ ህዝበ ክርስቲያን ከምኡ እውን መናእሰይ ካብ ኣካላት ፀጥታ ዝወሃብ መምርሒ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዩ ምትሕብባርን ድጋፍን ንኽገብሩ እቲ ግብረ ሓይሊ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ዕዱማት እቲ በዓል ስርዓት እቲ በዓል ዝርብሽ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ እንተሪኦም ንኣላት ፀጥታ ሓበሬታ ብምሃብ ልሙድ ምትሕብባሮም ኣጠናኾሮም ንኽቕፅሉ እውነወ ሓቲቱ፡፡

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.