Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

November 2020

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወፃኢን ድሕንነትን መራሄተ መንግስቲ ጀርመን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወፃኢን ድሕንነትን መራሄተ መንግስቲ ጀርመን ዶክተር ጃን ሄከር ተዛቲዮም። ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን…

ክልተ ፍቓዳት ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ መሕትት መወዳደሪ ሓሳብ ጨረታ ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ክልተ ፍቓዳት ብሄራዊ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ መሕትት መወዳደሪ ሓሳብ ጨረታ ወፂኡ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ውድድር ፍትሓዊ ንክኸውን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 24ን 25ን ሕዳር ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 24ን 25ን ሕዳር ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ። ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ከምዝበሎ፥ እቲ ፈተና ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታ ክወሃብ ኢዩ። ተምሃሮ ኣብቶም ዝተረቑሑ መዓልታት…

እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18  ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ገንዘብ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት…

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተሳትፎ ሳልሳይ ወገን ኣየድሊን-ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ኬኒያ ኣምባሳደር ፌዴሪኢ መለስ ኣለም “መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተሳትፎ ሳልሳይ ወገን ኣየድሊን” ክብሉ ተዛሪቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዘቤታዊ ጉዳይ ናይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ምእታው ከምዘየድሊዮ ብምግላፅ፥…

ጉጅለ ህወሓት “ደምሲሰዮ ኢየ” ብምባል ናይ ሓሾት ዜና ዝወዘዐሉ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ሐዚ እውን ብጅግንነትን ብዝለዓለ ዓወትን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ህወሓት “ደምሲሰዮ ኢየ” ብምባል ናይ ሓሾት ዜና ዝወዘዐሉ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ሐዚ እውን ብጅግንነትን ብዝለዓለ ዓወትን ይቕፅል ከምዘሎ ምክትል ኣዛዚ ኦፕሬሽን እቲ ክፍለ ሰራዊት  ኮሎኔል መንግስቱ ደሴ ተዛሪቦም። ኣብ ግምባር ራያ ሕጊ…

ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ 23 ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ተልእኾ ጁንታ ህወሓት ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘብፅሑ ዝነበሩ 23 ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ትማሊ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣…

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ርእሲ ናይ ባዕሉ ወገን ዝፈፀሞ ተግባር ዘሕፍር፣ መሕዘንን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ርእሲ ናይ ባዕሉ ወገን ዝፈፀሞ ተግባር ዘሕፍር፣ መሕዘንን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ ክብሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታርን ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣብዱራሃማን ኣል ዶሰሪ ገሊፆም። ኣብ ኳታር ፍሉይ መልእኽተኛን…

ምክትል ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዦ ኢቭ ለድሪዮ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዦ ኢቭ ለድሪዮ ትማሊ ተዛቲዮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብቲ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ  560  ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 789 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ   560  ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 107 ሺሕን…