Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዝንቕ ፋና

ኣብ ሶማልያ ሓሙሽተ ዓይነ-ስውራን ኣብ ሓደ ዳስ ተመርዕዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገረ ሶማልያ ከተማ መቋድሾ ሓሙሽተ ዓይነ ስዉራን መርዑት ኣብ ሓደ ዳስ ተመርዕዮም። እቶም ኣርባዕተ ዓይነ-ስውራት መርዓውትን እታ ሓንቲ ዓይነ-ስውርቲ መርዓትን ከኣ ንመመርዓዊኦም ዝኸውን ገንዘብ ንከዋጽኡ ኣዝዮም ተጸጊሞም ነይሮም።…

ኣብ ወረዳ ከባቢ ጎንደር ናይ ድሕሪት እግሪ ዘይብሉ ምራኽ ተወሊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ከባቢ ጎንደር ናይ ድሕሪት እግሪ ዘይብሉ ምራኽ ተወሊዱ። ኣቲ ምራኽ፥ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያ ፂዮን ሰጓጅ ከምዝተወለደ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ማእኸላይ ዞባ ጎንደር ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ቅድሚ ሕዚ፥…

ኣብ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ብሰላም ምግልጋላ ተገሊፁ። ኣዶ ገነት ፍሳሃ ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትትከውን፥ ምስ ስድራቤታ ኮይና ንምውላድ ኢያ ናብ ዞባ ግማ ወረዳ ሸቤ ክትከይድ ዝኸኣለት።…

ወዲ 17 ዓመት ሰልጣናይ ናሳ ሰገን ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት እትርሕቕ ሓዳሽ ፕላኔት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወዲ 17 ዓመት ሰልጣናይ ናሳ ሰገን፥ ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት እትርሕቕ ሓዳሽ ፕላኔት ከምዝረኸበ ተገሊፁ። እቲ ዎልፍ ኩኪየር ዝበሃል ኣብ ናሳ ዝረኸቦ ዕድል ስልጠና ሓፂር እዋን እናተኸታተለ ስራሕ ልምዲ ንኽሕዝ'ዩ። ይኹን እምበር…

ናብ ወርሒ እተካይዶ መፃምድቲ ዝደሊ ዘሎ ጃፓናዊ ቢልየነር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጃፓናዊ ቢልየነር ዮሳኩ ሜዛዋ፥ ኣብ ዙርያ ወርሒ ንምብፃሕ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ እተሰንዮ ጓልኣንስተይቲ መፃምድቲ ይደሊ ከምዘሎ ገሊፁ። እዚ ወዲ 44 ዓመት ቢልየነር፥ ኣብ መንኰርኰር ኮይኑ ንወርሒ ዝጓዓዝ ናይ መጀመርያ ሲቪል ክኸውን እዩ። እቲ ናይ…

“ሜሪ ክሪስትማስ” እናበለ ካብ ባንኪ ሰሪቑ ንሰብ ክዕድል ዝወዓለ ሰራቒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ፃዕዳ ጭሕሚ ዘር ዘበለ ሰብኣይ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ካብ ባንኪ ንዝሰረቖ ገንዘብ ኣብ ፅርግያ ወፂኡ ብውዕዉዕ ስምዒት ንሓለፍቲ መገዲ “ርሑስ በዓል ልደት ” እናበለ ሰልዲ ክዕድል ከም ዝውዓለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ሰብ መዚ ፖሊስ…

ኣብ ወረዳ ሓውዜን 3 ሓናጡ ተወሊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባርነተን ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ቆራሮ ዝኾና ወ/ሮ ማኣዛ ገብረዋህድ ሓጎስ ዝተብሃላ ወላዲት ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን 3 ሓናጡ ተገላጊለን። ኣብቲ ሆስፒታል በዓል ሞያ ዝተዋደደ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ኣይተ ተኽለማርያም…